1. ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን።
2. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
3. ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኵላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዓዘዘት፡ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነምስግኖ ግቡእና እዩ።
4. እምብኣርሲ ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዅሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና፡
5. ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ።
6-7. በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡
8. ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።
9-10. እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝአመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ እዮም።
11-12. ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኵሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ክፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንልምን አሎና።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...