1. ድሕርዚ ኸኣ ዀነንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ታማር ዝስማ መልክዔኛ ሓብቲ ነበረቶ፡ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ

2. ንሳ ድንግል ነበረት እሞ፡ ኣምኖን ገለ ኺገብራ ኸም ዘይከአሎ፡ ስለ እተራእዮ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሐምም ሓሳቡ ኣዕገርገሮ

3. ኣምኖን ድማ ዮናዳብ ዝስሙወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊትፈታዊ ነበሮ። ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ።

4. ንሱ ድማ፡ አታ ወዲ ንጉስ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ እትዐብር፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ፡ ኣይትነግረንንዶበሎኣምኖን ከኣ፡ ኣነስ ብፍቕሪ ታማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሴሎም እየ፡ በሎ።

5. ዮናዳብ ድማ በሎሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ኺርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ሓብተይ ታማር እንጌራ ኽትህበኒ ትምጻእ፡ ነቲ ብልዒ ድማ፡ ምእንቲ ኽርእዮስኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎብኢዳ ኸኣ ከተብልዓኒ፡ በሎ።

6. ኣምኖን ድማ ሐሚመ ኢሉ ደቀሰንጉስ ንኣምኖን ኪርእዮ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣምኖን ንንጉስ፡ በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕቻ ኽትገብረለይብኢዳ ድማ ክበልዕሲ ትምጻኣኒ፡ በሎ

7. ሽዑ ዳዊት ናብ ቤት ናብ ታማር ልኡኽ፡ በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኩ ኺዲ እሞ ዚብላዕ ግበርሉበላ

8. ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፡ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቚ ወሲዳ ኣቘምጢዓኣብ ቅድሚ ዓይኑ ድማ ቅጫታት ገይራ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ

9. ነቲ መቚሎ ወሲዳ ኸኣ ናብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ፡ ኲሉ ሰብ ካባይ ኣውጽኡለይበለ። ኲሉ ሰብ ከኣ ካብኡ ወጸ።

10. ኣምኖን ድማ ንታማር፡ እቲ ብልዒ ብኢድኪ ኽበልዕሲናብ ሕልፍኚኣእትውዮበላታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፡ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ

11. ኪበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ቀጥ ኣቢሉ ሒዙሓብተይ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲበላ

12. ንዳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሓወየኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ።

13. ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ፡ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ።

14. ንሱ ግና ዘረባአ ኺሰምዕ ኣይፈተወን፡ ኣብአ ሐይሉስ ዐመጻ፡ ምስአ ድማ ደቀሰ።

15. ድሕርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ብዙሕ ጽልኢ ጸልአ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ እቲ ዝጸልአ ጽልኢ በዝሔ። ኣምኖን ድማ፡ ተንስኢ፡ ኪዲበላ

16. ንሳ ኸኣ፡ ንኣይ ብምስዳድካ ኻብቲ ቕድም ዝገበርካኒ እዚ ዝገደደ ኽፉእ እዚ ኣይትግበረኒበለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን

17. ነቲ ዜገልግሎ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ በጃኻ፡ ነዚኣ ኻባይ ንግዳም ኣውጽአለይድሕሪአ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዕጸዎ፡ በሎ

18. ኣዋልድ ንጉስ ደናግል ከለዋ ኸምኡ ዝበለ ቐመውሽ ይኽደና ስለ ዝነበራ፡ ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። ሽዑ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽአ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪአ ዐጸዎ

19. ታማር ድማ ሐመዂስቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፡ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ቀደደቶ፡ ክትከይድ ከላ ድማ፡ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ እናአእወየት ከደት

20. ኣቤሴሎም ሓዋ ኸኣ፡ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ፡ ሕጂ ግና ሓብተይንሱ ሓውኪ እዩ፡ ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሐዝዮበላታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተቐመጠት

21. ንጉስ ዳዊት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ምስ ሰምዔኣዝዩ ተናደደ

22. ኣቤሴሎም ከኣ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዐመጻጸሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣቤሴሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ኣይተዛረቦን

23. ኰነ ድማ፡ ኣቤሴሎም ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በዓል-ሓጾር ቈረጽቲ ኣባጊዕ ነበርዎ። ኣቤሴሎም ከኣ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ዐደሞም

24. ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ እንሆ፡ ጊልያኻ ቘረጽቲ ኣባጊዕ ዓለዉኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምስ ጊልያኻ ይኺዱበሎ

25. ንጉስ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ኣይፋልካን ወደይ፡ ከይንኸብደካ ዂላትናስ ኣይንኸይድን ኢና፡ በሎ። ግዲ ኸኣ በሎ። ንሱ ግና መረቖ ደኣ እምበር፡ ኪኸይድሲ ኣይፈተወን።

26. ሽዑ ኣቤሴሎም፡ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድበሎ። ንጉስ ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ፡ በሎ።

27. ኣቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፡ ሽዑ ንኣምኖንን ንዂሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ይኺዱ ሐደጎም።

28. ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሐጐሰ፡ ሽዑ ኣስተብህሉ፡ ኣነ ንአምኖን ቅተልዎ፡ ምስ በልኩኹም ከኣ፡ ኣይትፍርሁቅተልዎ፡ ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘሎኹ፡ ጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ፡ በሎም

29. ገላዉ ኣቤሴሎም ዝአዘዞም ገበርዎ። ሽዑ እቶም ደቂ ንጉስ ኲሎም ተንሲኦምነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሀደሙ

30. ኰነ ኸኣ፡ ገና ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊትኣቤሴሎም ንዂሎም ደቂ ንጉስ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ቐቲልዎምዚብል ወረ መጸ

31. ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደኣብ ምድሪ ድማ ወደቐኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ።

32. ዮናዳብወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ግና ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዝስ ካብታ ኣምኖን ንሓብቱ ታማር ዝዐመጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ብአፍ ኣቤሴሎም ተመዲቡ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም እቶም ኣጒባዝ ደቂ ንጉስ ከም ዝሞቱስጐይታይ ኣይበል

33. እምበአርሲ ሕጂ ጐይታይ ንጉስኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም ኢሉ፡ ነዚ ነገር ኣዚ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፡ በሎ።

34. ኣቤሴሎም ግና ሀደመእቲ ዚጥምቶ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቛሕ እንተበለ ድማ፡ እንሆ፡ በታ ብድሕሪኡ ብሸነኽ ከረን ዘላ መገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኺመጽእ ረአየ

35. ዮናዳብ ከኣ ንንጉስ፡ ደቂ ንጉስሲ እነዉ፡ ይመጹ አለዉ፡ ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ፡ ከምኡ ዀነ፡ በሎ

36. ኰነ ድማዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ እነዉ እቶም ደቂ ንጉስ አተዉ፡ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከኣ በኸዩ። ንጉስን ኲሎም ገላዉኡን ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ

37. ኣቤሴሎም ግና ሀዲሙ ናብ ታልማይወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹርከደዳዊት ከኣ ንወዱ ዂሉ መዓልቲ ይሐዝነሉ ነበረ።

38. ኣቤሴሎም ከኣ ሀዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፡ ኣብአ ኸኣ ስለስተ ዓመት ነበረ።

39. ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰናብ ኣቤሴሎም ምውጻእ ሐደጎ