1-2. ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ።

3. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ

4. ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎኪብሉ እዮም።

5. ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ።

6. እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይተሰጢማ ጠፍኤት

7. እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።

8. ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመትሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም

9. ጐይታስኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

10. መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።

11-12. ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።

13. ንሕና ግናከምቲ ተስፋኡጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።

14. ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርክቡ ተጋደሉ

15. ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ

16. ንሱ ኣብ ኵላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓይሎ ነገር አሎ። እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ አለዉ።

17. ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲብስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘልዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ

18. ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን

Chap 2