1. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠእግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ

2. እቲ ንጉስ ንነብዪ ናታንርኤማ በጃኻ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከሎኹስ፡ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ አሎ፡ በሎ

3. ናታን ከኣ ንንጉስእግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበርበሎ

4. ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መጺኡ ከምዚ በለ

5. ኪድንባርያይ ዳዊትእግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ አሎ፡ በሎ፡ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሰርሓለይ ኢኻ፡

6. ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እከይድ ነበርክ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን

7. ኣብቲ ምስ ኲሎም ደቂ እስራኤል እተማላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ንህዝበይ ንእስራኤል ኪጓሲ ንዝአዘዝክዎስ፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፡ ኢለዶ ተዛረብኩ

8. ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውንካብ ምጒሳይካ፡ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ

9. ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎምከም ስምእቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ገበርኩልካ

10-11. ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽትኸሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝአዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምንካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየኤረ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እግዚኣብሄር ይነግረካ አሎ።

12. መዓልትታትካ ምስ መልአምስ ኣቦታትካ ኸኣ ምስ ደቀስካብድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስካ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ

13. ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ንዘለአለም ከጽንዓሉ እየ።

14. ኣነ ኣቦ ክዀኖንሱ ድማ ወዲ ኪዀነኒ እዩእንተ በደለ ኸኣ፡ ብሸበጥ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን ገይረ ኽገርፎ እየ።

15. ግናኸ ከምቲ ነቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘግለስክዎ ሳኦል ዘግለስኩሉ፡ ምሕረተይ ካብኡ ኣየግልስን

16. ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለአለም ኪጸንዓ እየንዝፋንካውን ንዘለአለም ኪጸንዕ እዩ

17. ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታን ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ

18. ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አተወ ተቐሚጡ ድማ በለዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ፡ ቤተይከ እንታይ እያ

19. እግዚኣብሄር ጐይታይእዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ አሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዝስ ሕጊ ሰብዶ እዩ፡

20. እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንባርያኻ ትፈልጦ አሎኻ፡ ደጊምከ ዳዊት መሊሱ እንታይ ኢሉ ክዛረበካ እዩ፡

21. ምእንቲ እቲ ዘረባካን ከምቲ ናይ ልብኻን ንባርያኻ ኸተፍልጦስ፡ እዚ ዓብዪ ነገርዚ ገበርካ

22. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽከምቲ ብእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉስ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻውን ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ዓብዪ ኢኻ

23. ህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን ኬድሕኖስም ድማ ኪገብረሉ፡ እዚ ዓብዪ ነገር ኪገብረልኩምን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺካብ ኣህዛብን ካብ ኣማልኽቶምን ንኣኻ ኪኸውን ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ንምድርኻ ዜፍርህ ነገር ኪገብርን ኢሉ ኣምላኽ ዝኸዶኣብ ምድርኻ ኸም ህዝብኻከም እስራኤል ዝበለ ኣየናይ ሓደ ህዝቢ አሎ፡

24. ንህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለአለም ህዝብኻ ኪኸውን መደብካዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኰንካ

25. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለአለም ኣጽንዓዮከምቲ እተዛረብካዮ ኸኣ ግበር

26. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ ብምባሎም ድማ ስምካ ንዘለአለም ይዕበቤት ባርያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜካ ትቑም

27. ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልንባርያኻኣነ ቤት ክሰርሓልካ እየኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻስለዚ ባርያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባካ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ

28. ሕጂ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚውን ንባርያካ ኣተስፎኻዮ

29. ሕጂ ድማእግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለአለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያካ ንዘለአለም ኣብ ቅድሜካ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ