1. ዳዊት ድማ መሊሱ ነቶም ካብ እስራኤል እተሐርዩ ዂሎም ሰላሳ ሽሕ ሰብኣይ ኣከቦም

2. ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ነቲ በቲ ስምስም እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተጸውዓሉ ታቦት ኣምላኽ ካብ በዓለ-ይሁዳ ኸደይቦ ኸደ

3. ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኲርባ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ኣልዐልዎነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮንደቂ ኣቢናዳብ፡ ይመርሕዎ ነበሩ።

4. ካብታ ኣብ ኲርባ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረ ቤት ኣቢናዳብ ከኣ ኣልዐልዎኣሕዮ ኸኣ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ።

5. ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ።

6. ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሐዞ

7. ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ስለ ድፍረቱ ኸኣ ኣምላኽ ቀዘፎ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ታቦት ኣምላኽ ሞተ

8. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮብጓሂ ሐረረነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ፡ ጴረጽ-ዑዛ ኢሉ ሰመያ

9. ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈርሁታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእበለ

10. ስለዚ ኸኣ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶምጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ዳዊት ናብኡ፡ ናብ ከተማ ዳዊትሲ፡ ኬግዕዞ ኣይፈተወን

11. እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ቤት ዖቤድ-ኤዶምጊታዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንዖቤድ-ኤዶምን ንብዘላ ቤቱን ባረኸ

12. እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣደየቦ

13. ኰነ ድማ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሹድሽተ ስጒምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ድዑልን ሰውኤ

14. ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ።

15. ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ

16. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪአቱ ኸሎሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ

17. ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምጺኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዕረገ

18. ዳዊት ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ባረኾ

19. ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ንብዘሎ ኣኼብ እስራኤል፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። ድሕርዚ ኸኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ኸደ

20. ዳዊት ድማ ንቤቱ ኺባርኽ ተመልሰሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣንጉስ እስራኤልሲከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረበለት

21. ዳዊት ከኣ ንሚካልኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መስፍን ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፡ እወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝስሐቕ ዘሎኹ።

22. ገና እኳ ኻብዚ ክቐልል እየ፡ ኣብ ዓይነይ ከኣ ኣዝየ ኽሐስር እየ፡ ኣብተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክከብር እየ፡ በለ፡

23. ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ እትሞተላ መዓልቲ ውሉድ ኣይነበራን።