1. እቲ ውግእ ድማ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ነዊሕ ኰነ። ዳዊት ከኣ እናበርትዔ ኸደ፡ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት

2. ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉእቲ በዂሩ ኸኣ ካብ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን እዩ።

3. እቲ ኻልኣዩውን ካብ ኣቢጋይልሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስ፡ እተወልደ ኪልኣብ እዩ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣቤሴሎምወዲ ማዓካ ጓል ታልማይንጉስ ጌሹር፡ እዩ።

4. እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት እዩ። እቲ ሓምሳይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ።

5. እቲ ሳድሳይ ድማ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ

6. ኰነ ድማ፡ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ከሎ፡ ኣብኔር ኣብ ቤት ሳኦል ሰልጢኑ ነበረ።

7. ሳኦል ከኣ ርጽጳ ዝስማ ጓል ኣያሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽ-ቦሸት ድማ ንኣብኔር፡ ስለምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝአቶኻ፡ በሎ።

8. ሽዑ ኣብኔር በቲ ዘረባ ኢሽ-ቦሸት ኣዝዩ ተናዲዱ በለ፡ ኣነስ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ ድየ፡ ሎሚ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን ምሕረት እገብር አሎኹኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሀብኩኻን፡ ንስካ ግና ሊሚ ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ እዚኣ በደል ቈጸርካለይ

9-10. ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሐለሉእታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሐልፍዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ከም ዚቐውም፡ እንተ ዘይገይረ፡ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ።

11. ሽዑ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆሓንቲ እኳ ኺዛረቦ ኣይከአለን

12. ሽዑ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡካት ሰዲዱእዛ ሃገር ንመን እያበለኪዳንካ ግዳ እተወለይ፡ እንሆ ኸኣ፡ ብዘለዉ እስራኣኤል ናባኻ ንምምላስ ኢደይ ምሳኻ እያ፡ ከኣ በለ።

13. ንሱ ድማ፡ ጽቡቕ፡ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እአቱ፡ ሓደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ አሎኹ፡ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእቅድም ንሚካል ጓል ሳኦል እንተ ዘየምጻእካ፡ ገጸይ ኣይትርእን ኢኻበለ

14. ዳዊት ድማ ናብ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ፡ እታ ብሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን ዘሕጼኽዋ ሰበይተይ ሚካል ምለሰለይበሎ

15. ኢሽ-ቦሸት ከኣ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያካብ ጳልጢኤል ወዲ ላዪሽወሰዳ

16. እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ኪኸይድ ከሎ እናበኸየ ኽሳዕ ባሑሪም ሰዐባ። ሽዑ ኣብኔርኪድተመለስበሎንሱ ኸኣ ተመልሰ

17. ኣብኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤልዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኪኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም።

18. እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊትንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኲሎም ጸላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ እምበኣር ሕጂ ግበርዎ፡ ኢሉ ተዛረቦም።

19. ኣብ እዝኒ ብንያምውን ኣብኔር ተዛረበኣብኔር ድማ እቲ ንእስራኤልን ንብዘላ ቤት ብንያምን ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮም ኲሉ ኣብ እዝኒ ዳዊት ኪዛረብ ናብ ኬብሮን ከደ

20. ኣብኔር ምስኡ ኸኣ ዕስራ ሰብ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጹዳዊት ድማ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብን ምሳሕ ገበረሎም

21. ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ኺአትዉስ፡ ንዂሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦምተንሲኤ ክኸይድ፡ ሽዑ ኸምቲ ነፍስካ ዝደለየቶ ዂሉ ጌርካ ትነግስ፡ በሎዳዊት ከኣ ንኣብኔር ሰደዶብሰላም ድማ ኸደ

22. እንሆ ኸኣ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ካብ ወራር መጹ፡ ምሰታቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ አእተዉ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን

23. ዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ሰራዊትን ምስ አተዉ ኸኣ፡ ኣብኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፡ ንሱ ኸኣ ኣፋንይዎስብሰላም ከይዱ፡ ኢሎም ንዮኣብ ነገርዎ

24. ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ አትዩእንታይ እዩ ዝገበርካዮእንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ፈጺሙ ኪኸይድ ዝሐደግካዮ፡

25. ኣብኔር ወዲ ኔር ባዕልኻዶ ትፈልጦ ኣይኰንካን፡ ንሱ ኼዐሽወካን ምውጻእካን ምእታውካን ድማ ኪፈልጥን፡ ንስካ እትገብሮ ዅሉውን ኪፈልጥ ከም ዝመጸትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ።

26. ዮኣብ ካብ ዳዊት ምስ ወጸ ድማደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ሰደደካብ ሓጽቢ ሲራ ኸኣ መለስዎ። ዳዊት ግና ኣይፈለጠን

27. ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ዮኣብ ኣብ በይኑ ኺዛረቦ ኢሉ ናብ ማእከል ደገ ኣግለሶ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ደም ሓዉ ዓሳሄል ከብዱ ወግኦሞተ ኸኣ

28. ድሕርዚ ኸኣ ዳዊት እዚ ሰምዔ እሞ፡ ኣነን መንግስተይን ካብ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ንጹሃን ኢና

29. እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕኣብ ቤት ዮኣብ ድማ ጀጋል ወይ ለምጻም ወይ ምርኩስ ዚምርኰስ ወይ ብሴፍ ዚወድቕ ወይ እንጌራ ዚጐድሎ ኣየቛርጽ፡ በለ።

30. ኣብኔር ንሓዎም ዓሳሄል ኣብ ጊብዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡ ዮኣብን ኣቢሳይ ሓዉን ከኣ ንኣብኔር ቀተልዎ

31. ዳዊት ድማ ንዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብንክዳውንትኹም ቅደዱ፡ ከሊውን ተኸደኑቀቅድሚ ኣብኔር ከኣ ብኸዩበሎምንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።

32. ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ድምጹ ዓው ኣቢሉ በኸየኲሎም ህዝቢውን በኸዮ

33. ንጉስ ድማ ንኣብኔር፡ ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰሉኣብኔርውንንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት

34. ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራንኣእጋርካውን ብመቚሕ ኣይተቓቐራን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ ዚወድቕ ወደቕኻ። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ በኸዩሉ

35. እቶም ህዝቢ ዂሎም ከኣ ንዳዊት ገና መዓልቲ ኸሎ እንጌራ ኼብልዕዎ መጹ፡ ዳዊት ግናጸሓይ ከይዐረበት እንጌራ ዀነ ወይ ዝዀነ ዂሉ እንተ ጠዐምኩኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይድገመኒ፡ ኢሉ መሐለ

36. ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስ ፈለጡጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸምቲ ንጉስ ዝገበሮ ዂሉ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም።

37. እቲ ምቕታል ኣብኔር ወዲ ኔር ካብ ንጉስ ከም ዘይኰነብዘሎ እቲ ህዝብን ብዘሎ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ

38. ንጉስ ድማ ነቶም ገላዉኡሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡

39. ኣነ ኸኣ፡ ምንም እኳ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኩድኹም እየ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ደቂ ጽሩያ ድማ በርቲዖምኒ እዮም። ነቲ ኽፉእ ዚገብርሲእግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ፡ በሎም።