1. መወዳእታ ዘረባ ዳዊት ድማ እዚ እዩ፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ይብል፡ እቲ ኽብ ኣቢሉ ዘቘሞ ሰብአይ፡ እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ያእቆብ፡ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ይብል፡

2. መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረብቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ።

3. ኣምላኽ እስራኤል በለከውሒ እስራኤል ተዛረበኒ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጽድቂ ዚነግስ፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዚነግስ፡

4. ንሱ ኸምቲ ደበና ዜብሉ ብጊሓት ጸሓይ እትበርቀሉ ጊዜ፡ እቲ ብድሕሪ ዝናም ብነጸብራቑ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዜብቊለሉ፡ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።

5. ቤተይሲ ምስ ኣምላኽ ከምኡ ደይኰነን፡ ግናኸ ብዂሉ እተሰርዔን እተሐለወን ኪዳን ዘለአለም እቚሙለይይ እዩ እሞ፡ ኲሉ ምድሓነይ ኲሉ ባህገይንከ ኣየብቊለለይ ድዩ፡

6. እቶም ደቂ ብልያል ኵሎም ግና ከምቲ ብኢድ ዘይትሕዝ እሞ፡ ከም ዚድርበ እሾዂ እዮም።

7. እቲ ዚትንክዮም ሰብ ግና ሓጺንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝኣብታ ቦታኦም ድማ ብሓዊ ፈጺሞም ይነዱ

8. ስም ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ዮሼብ-ባሸቤት ታሕክሞናዊርእሲ እቶም ሓላቑ፡ ንሱ ዓዲኖ እቲ ዔዝናዊ ዂናት ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሾሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ።

9. ብድሕሪኡ ኸኣ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ ወዲ ሓደ ኣሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ እየ፡ ንሳቶም ነቶም ኪዋግኡ ኣብኡ እተአከቡ ፍልስጥኤማውያን ምስ ኣላገጹሎም፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ምስ ኣድሓርሐሩ

10. ንሱ ግና ተንሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝኢዱ ኣብታ ሴፍ ክሳዕ እትለግብ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎምእግዚኣብሄር ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ምድሓን ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪገፉ ጥራይ ደድሕሪኡ ተመልሱ

11. ድሕሪኡ ኸኣ ሻማ ወዲ ኣጌ ሃራራዊ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ጨፊሮም ኣብ ሓንቲ ብርስን ዝመልኤት ግራት ተአከቡ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደመ

12. ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሐናንፍልስጥኤማውያን ከኣ ሰዐሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ

13. ካብቶም ሰላሳ ሓላቑ ድማ ሰለስተ ወሪዶምብጊዜ ዓጺድ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መጹ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፈሩ ነበረ።

14. ሽዑ ዳዊት ኣብ ዕርዲ ነበረ፡ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማያን ከኣ ሽዑ ኣብ ቤት-ልሄም ነበሩ።

15. ዳዊት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ፡ ኢሉ ተመነየ

16. ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዔላ ቤት-ልሄም ማይ ቀዲሖም ጾይሮም ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐዎ እምበር፡ ኪሰትዮስ ኣይፈተወን

17. ንሱ፡ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እዝ ምግባርሲ ኻባይ ይርሐቕ፡ በለ። ምስታዩ ኸኣ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ

18. ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ኸኣ፡ ንሱ ነቶም ሰለስተ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣልዒሉ ንሰለስተ ሚእቲ ቐተሎም። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ኸኣ ስሙይ ነበረ፡

19. ካብቶም ሰለስተስ ዝኽበረዶ ኣይነበረን፡ ስለዚ ሓለቓኦም ኰነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን

20. በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብአይ ብዓል ቀብጽኤል፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፡ ንሱ ድማ ብጊዜ በረድ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ

21. ንሱ ኸኣ ንሓደ ምርኡይ ግብጻዊ ሰብኣይ ቀተለ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ድማ ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ

22. በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።

23. ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔንዳዊት ከኣ መማኽርቱ ገበሮ

24. ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ካብቶም ሰላሳ ሓደ እዩ፡ ኤልሓናንወዲ ዶዶ ኻብ ቤት-ልሄም

25. ሻማ እቲ ሓሮዳዊኤሊቃ እቲ ሓሮዳዊ፡

26. ሔለጽ እቲ ጳልጣዊዒራወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ

27. ኣቢዔዘር እቲ ዓናቶታዊሜቡናይ እቲ ሑሻታዊ

28. ጻልሞን እቲ ኣሖሓዊመሓራይ እቲ ነጦፋታዊ

29. ሔለብወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊኢታይ፡ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም

30. በናያ ሓደ ጲርዓቶናዊሂዳይ ካብ ርባታት ጋዓሽ

31. ኣቢ-ዓልቦን እቲ ዓርባታዊዓዝማወት እቲ ባርሑማዊ

32. ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊብኔ-ያሸንዮናታን

33. ሻማ እቲ ሃራራዊኣሒያምወዲ ሻራር እቲ ሃራራዊ፡

34. ኤሊ ፈለጥ፡ ወዲ ኣሓስባይ ወዲ ሓደ ማዓካታዊ ኤሊዓም፡ ወዲ ኣሒቶፌል እቲ ጊሎናዊ

35. ሔጽራይ እቲ ቀርሜሎሳዊጳዓራይ እቲ ኣርባዊ

36. ዪጋልወዲ ናታን ካብ ጾባባኒ እቲ ጋዳዊ

37. ጸለቅ እቲ ዓሞናዊናሓራይ እቲ ብኤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግረ ዮአብ ወዲ ጽሩያ

38. ዒራ ዪትራዊጋሬብ ዪትራዊ፡

39. ኡርያ እቲ ሔታዊ፡ ኲላቶም ሰላሳን ሾብዓተን እዮም።