1. ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኲሎም ጸላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሐነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ

2. ከምዚ ኸኣ በለእግዚኣብሄር ከውሔይን እምባይን መድሓንየይን እዩ

3. ኣምላኽ ተስፋ ዝገብሮ ኸውሔይ እዩ፡ ዋልታይን ቀርኒ ምድሓነይንግምበይን መህደምየይን እዩ። ዎ መድሓንየይ፡ ካብ ዓመጻ ተድሕነኒ

4. ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ እግዚኣብሄር እጽውዖ አሎኹ፡ ካብ ጸላእተይ ከኣ ክድሕን እየ።

5. ማዕበል ሞት ከቢኑኒ እዩ እሞ፡ ወሓይዝ ብልያል ኣፍርሃኒ

6. ኣግማድ ሲኦል ከበበኒመፈንጠራታት ሞት መጸኒ

7. ብጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡ ናብ ኣምላኸይ ከኣ ተማህለልኩ፡ ድምጸይ ድማ ካብ መቕደሱ ሰምዔገዓረይውን ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ።

8. ሽዑ ምድሪ ተናቓነቐትን ኣንቀጥቀጠትን፡ መሰረታት ሰማይ አንደቕደቐ፡ ብዂራኡ ስለ ዝነደደ ኸኣ፡ ተናቓነቐ

9. ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ተላዕለ፡ ካብ ኣፉ ድማ ዚባላዕ ሓዊ ወጸ፡ ካብኡ ጓህሪ ነደደ

10. ሰማይ ኣድኒኑ ኸኣ ወረደ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።

11. ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ድማ ነፈረ፡ ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ከኣ ተራእየ

12. ነቲ ጸልማትን እኩብ ማያትን ከቢድ ደበናን፡ ኣብ ዙርያኡ ድንኳናት ገበሮ

13. ካብቲ ነጸብራቕ ቅድሚኡ ጒሁር ሓዊ ነደደ

14. እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፡ እቲ ልዑልውን ቃሉ ሀበ

15. ፍላጻታት ወርዊሩ ኸኣ ፋሕ ኣበሎም፡ ኣብሪቑውን ኣሸበሮም

16. ብተግሳጽ እግዚኣብሄር፡ ካብ ምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኡመዓሙቚ ባሕሪ ተራእየመሰረታት ዓለምውን ተቐልዔ

17. ካብ ኣርያም ልኢኹ ወሰደኒ፡ ካብ ዓበይቲ ማያት ኣውጽአኒ

18. ካባይ ይሕይሉ ነበሩ እሞ፡ ካብቲ ሓያል ጸላእየይ፡ ካብቶም ዝጸልኡኒ ኣድሐነኒ

19. ብመዓልቲ መከራይ ሓደጋ ወደቑኒ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ደገፍ ኰነኒ።

20. ናብ ርሒብ ኣውጽኣኒ፡ ብሂጉኒ እዩ ኣሞ፡ ኣድሓነኒ

21. እግዚኣብሄር ከም ጸድቀይ ፈደየኒ፡ ከምቲ ጽርየት ኢደይ መለሰለይ

22. መገድታት እግዚኣብሄር ሐልየ እየ እሞ፡ ካብ ኣምላኸይ ብበደል ኣይረሐቕኩን

23. ኲሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ሕጋጋቱ ኣየግለስኩን

24. ኣብ ቅድሚኡ ምሉእ ኰንኩ፡ ካብ በደለይውን ተሐሎኹ።

25. ስለዚ እግዚኣብሄር ከም ጽድቀይ፡ ከምቲ ንጽህናይ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ መለሰለይ

26. ምስቲ ሕያዋይ ሕያዋይ ትኸውን። ምስቲ ፍጹም ሰብ ፍጹም ትኸውን።

27. ምስቲ ንጹህ ንጹህ ትኸውን፡ ምስቲ ጠዋይ ከኣ ትጠዊ

28. ንጥቑዕ ህዝቢ ድማ ተድሕኖ ኢኻ፡ ነቶም ዕቡያት ግና ከተዋርዶምኣዒንትኻ ናባታቶም እየን።

29. ንስኻ ዎ እግዚኣብሄርመብራህተይ ኢኻ እሞ፡ ንጸልማተይ እግዚኣብሄር የብርሆ

30. ብኣኻ ንጭፍራ ኽጐዮም እየ እሞ፡ ብኣምላኸይንመንደቕ እሰርር

31. ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ፡ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ። ንሱ ተስፋ ንዚገብርዎ ዂሎም ዋልታኦም እዩ።

32. ብጀካ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ መን እዩ፡ ብጀካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፡

33. ኣምላኽ ጽኑዕ ዕርደይ እዩ፡ ነቲ ፍጹም ድማ ብመገዱ ይመርሖ

34. እግረይ ከም ናይ እራብ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ በረኽተይ ድማ ኣቘመኒ።

35. ነእዳወይ ውግእንቐላጽመይ ከኣ ቀስቲ ኣስራዚ ምግታር መሀረ

36. ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒምውራድካውን ኣዕበየኒ

37. ኣብ ትሕተይ ስጓሞይ ኣግፋሕካኣእጋረይ ከኣ ኣየንደልሀጸን

38. ንጸላእተይ ድማ ሰጒጐ ኣጥፋእክዎም፡ ክሳዕ ዝውድኦም ከኣ ኣይተመለስኩን።

39. ከም ዘይትንስኡ ገይረ ድማ ወጊኤ ወዳእክዎም፡ ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።

40. ንውግእ ከኣ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፡ ነቶም እተቓወሙኒ ኣብ ትሕተይ ኣድነንካዮም

41. ዝባን ጸላእተይ ድማ መለስካለይ፡ ነቶም ዚጸልኡኒ ኸኣ ኣጽነትክዎም

42. ጠመቱዜድሕን ግና ኣይነበረን። ናብ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ግና ኣይመለሰሎምን

43. ሓመድ ምድሪ ኽሳዕ ዚዀኑ ድማ ደቘስክዎም፡ ከም ጭቃ ኣደባባይ ረጊጸ ሰገድክዎም።

44. ካብ ባእሲ ህዝበይ ኣድሐንካኒርእሲ ህዝብታት ክኸውን ሐሎኻኒዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዝአኒ

45. ደቂ ጓና ድማ ይግዝኡኒ፡ ብእዝኖም ሰሚዖም ይእዘዙኒ

46. እቶም ደቂ ጓና ወለል ይብሎም፡ ካብቲ እተዐጽዉሉ ስፍራታት እናንቀጥቀጡ ይወጹ

47. እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ኸውሔይ ከኣ ይባረኽ። እቲ እምባ ምድሓነይ ዝዀነ ኣምላኽ ክብ ይበል፡

48. እቲ ሕነይ ዝፈደየለይ ኣምላኽንህዝብታትውን ኣብ ትሕተይ ዜውድቖም፡

49. ካብ ጸላእተይ ድማ ዜውጽኣኒናብ ልዕሊ እቶም ተቓወምተይውን ክብ ተብለኒ፡ ካብ ዓማጺ ሰብ ተድሕነኒ።

50. ስለዚ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኤመስግነካንስምካውን እዝምር አሎኹ።

51. ንንጉስ ዓብዪ ምድሓን ይህብ፡ ንቕቡኡ ድማ፡ ንዳዊትን ንዘርኡንንዘለአለም ሞገስ ይህብ