1. ብዘበን ዳዊት ድማ፡ ዓመት ንዓመትሰለስተ ዓመት ጥሜት ኰነ። ዳዊት ከኣ ገጽ እግዚኣብሄር ደለየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚ ብሰሪ ሳኦልን ብሰሪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱንንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም እዩ፡ በለ

2. ሽዑ ንጉስ ንጊብዖናውያን ጸዊዑ ተዛረቦም። እቶም ጊብዖናውያን ግና ካብቶም ካብ ኣሞራውያን ዝተረፉ እዮም እምበር፡ ካብ ደቂ እስራኤልሲ ኣይኰኑን። እቶም ደቂ እስራኤል ደኣ ምሒሎምሎም ነበሩ፡ ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንአትኬጥፍኦም ደለየ።

3. ዳዊት ከኣ ንጊብዖናውያንንርስቲ እግዚኣብሄር ክትምርቑስእንታይ ክገብረልኩም፡ ብምንታይከ ዕርቂ ክገብር እየ፡ በሎም

4. እቶም ጊብዖናውያን ድማ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ነገር ብሩርን ወርቅን የብልናን፡ ኣብ እስራኤልውን ሰብ ክንቀትል ኣይብኣናን፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ፡ በሎም

5. ንሳቶም ድማ ንንጉስ፡ እቲ ዝወድኣናን ኣብ ኲሉ ዶብ እስራኤል ከይንነብር፡ ምእንቲ ኽንጸንት እተተንኰለልናን ሰብአይ

6. ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ጊብዓ ናይ ሳኦ ንእግዚኣብሄር ክንሰቕለሉ፡ ካብ ደቁ ሾብዓተ ሰባት ይሀቡና፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣነ ኽህበኩም እየ፡ በለ

7. እቲ ንጉስ ግና ንመፊቦሸትወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል፡ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኦም፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ማሕላ እግዚኣብሄር ኢሉ ነሐፎ

8. ንጉስ ግና ነቶም ክልተ ደቂ ሪጽጳ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን መፊቦሸትን፡ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦልንዓድርኤል ወዲ ባርዚላይ መሖላታዊ ዝወለደትሉ ኸኣ ወሰዶም

9. ኣብ ኢድ ጊብዖናውያን ድማ ኣወፈዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎምሾብዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፡ በቲ ዓጺድ ስገም ዚጅመረሉ ኸኣ፡ ብጊዜ ቐውዒ ሞቱ

10. ሪጽጳ ጓል ኣያ ድማ ማቕ ወሲዳ ንርእሳ ኣብ ከውሒ ኣንጸፈት፡ ካብ መጀመርታ ቐውዒ፡ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዚዘንሞም ከኣ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይብለይቲ ድማ ኣራዊት መሮር ኪዐርፉሎም ኣይሐደገቶምን

11. እቲ ሪጽጳ ጓል ኣያሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦልዝገበረቶ ኸኣ ንዳዊት ነገርዎ

12. ዳዊት ድማ ከይዱ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ወሰደ። ንሳቶም ካብቲ ኣደባባይ ቤት-ሻን ሰሪቖምዎም ነበሩ፡ ኣብኡ ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐትሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ።

13. ንሱ ኸኣ ካብኡ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣጽምቲ ዮናታን ወዱን ኣልዐለ፡ ኣዕጽምቲ እቶም ስቑላት ድማ ኣከቡ

14. ነቲ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ቂስኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጼላዕ ቀበርዎ። እቲ ንጉስ ዝአዘዞ ዂሉ ኸኣ ገበሩድሕሪ እዚ ድማ ኣምላኽ ነታ ሃገር ተለመና

15. ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ከም ብሓድሽ ተዋግኡዳዊትን ገላዉኡ ኸኣ ምስኡን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ደኸመ

16. ይሽቢ-ብኖብ ከኣ፡ ንሱ ኻብ ወገን ራፋሚዛን ኲናቱ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ኣስራዚሓድሽ ሴፍ ድማ እተዐጥቀ ዝነበረ፡ ንሱ ንዳዊት ኪቐትሎ ሐሰበ።

17. ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ግና ረድኦ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ወቒዑ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ገላዉ ዳዊት መብራህቲ እስራኤል ከይተጥፍእሲ፡ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውጻእ፡ ኢሎም መሐሉሉ

18. ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ኸም ብሓድሽ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሳፍ ቀተሎ

19. ከም ብሓድሽ ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያዓሬ-ዖርጊም ብዓል ቤት-ልሄም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ ጐልያድ ብዓል ጋት ቀተሎ

20. ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ኸኣ ኣጻብዕ ኣእዳውን ኣጻብዕ ኣእጋርን ሸሹድሽተቊጽሪ ዂሉ ዕስራን ኣርባዕተን፡ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ራፋ እተወልደ እዩ።

21. ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታንወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊትቀተሎ

22. እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ