1. ዮአብ ወዲ ጽሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ናብ ኣቤሴሎም ኣቢሉ ኸም ዝዘንበለ ፈለጠ

2. ዮኣብ ከኣ ናብ ተቆዓ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ፡ በጃኺ፡ ሕዘኒ፡ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፡ በጃኺ፡ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪብምዉት ነዊሕ ዘበን ከም ዝሐዘነት ሰበይቲ ደኣ ኹኒ።

3. ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸኣ ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛረብዮ፡ ኢሉ ዮአብ ነቲ ዘረባ ኣብ ኣፋ ኣንበሮ

4. እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ንንጉስ ተዛረበቶብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊአ ኸኣ ፍግም በለትዎ ንጉስርድአኒ፡ ድማ በለቶ

5. ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ድማ በለት፡ ብሓቂ ኣነ ሰብአየይ ዝሞተኒ መበለት ሰበይቲ እየ።

6. ገረድካ ኸኣ ክልተ ወዲ ነበሩኒ፡ ንሳቶም ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ዚፈላልዮም ኣብ ዜብሉ መሮር ተበአሱ እሞ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ

7. እንሆ ኸኣ፡ ንገረድካ ብዘለዉ ዓሌቱ ተንሲኦምነዚ ቐታል ሓዉ፡ ምእንቲ እታ ዝቐተላ ነፍሲ ሓዉ ኽንቀትሎ፡ ነቲ ወራስስ ከነጥፍኦ ሀብናይብሉ አለዉ። ከምኡ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ እያድ የጥፍኡንሰብአየይ ከኣ ስም ኰነ ተረፍ ኰነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይሐድጉሉን

8. ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲንቤትኪ ኺዲ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባኺ ኽእዝዝ እየ፡ በላ

9. እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ኸኣ ንንጉስጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፡ ንጉስ ምስ ዝፋኑ ግና ንጹህ ይኹንበለቶ

10. ንጉስ ድማ፡ ነዚ ዚዛረበኪ ናባይ ኣምጽእዮ፡ መሉሱ ኸኣ ኣይትንክየክን እዩ፡ በላ

11. ንሳ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ ፈዳይ ደም ምጥፋእ ከየብዝሕ እሞ ንወደይ ከይቀትሎስ፡ ንጉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይዘክርበለቶ። ንሱ ድማ፡ ካብ ወድኺ ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ በላ

12. ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ በጃኻ፡ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ትዛረቦበለት። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረቢበለ

13. እታ ሰበይቲ ድማ በለት፡ ስለምንታይከ ንህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ሐሰብካሉንጉስ ነቲ ኻብኡ እተሰጐ ኸይመልሶስእዚ ነገር እዚ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ።

14. ግዲ ኽንመውት ኢና እሞ፡ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና። ኣምላኽ ድማ ንነፍሲ ኣይወስድን፡ ግናኸ እቲ እተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣጸቢቑ ይሐስብ እዩ።

15. ሕጂ ኸኣ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሃኒ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረብ ኢለ ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦንጉስ ምናልሽ ዘረባ ገረዱ ይገብሮ ይኸውን፡ በለት

16. ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ኬጥፍኣኒ ዚደሊ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ ንጉስ ንገረዱ ንምድሓን ኪሰምዕ እዩ።

17. ገረድካ ድማ ጐይታይ ንጉስ ጽቡቕን ክፉእን ንምስማዕ ከም መልአኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ቃል ጐይታይ ንጉስ ኬዕርፈኒ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ምሳኻ ይኹን፡ በለት

18. ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ በጃኺ፡ እዚ ኣነ ዝሐተኪ ነገር ኣይትሕብእለይ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ይዛረብ ደኣ፡ በለት

19. እቲ ንጉስ ድማ፡ በዚ ዂሉስ ኢድ ዮአብከ ምሳኺዶ የሎን፧ በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ መለሰትጐይታይ ንጉስ፡ ህይወት ነፍስኻጊልያኻ ዮአብ ንሱ ኣዚዙኒ እዩ፡ እዚ ዂሉ ነገር እዚውን ንሱ ኣብ ኣፍ ገረድካ ኣንቢርዎ እዩ እሞ፡ ካብቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ ዂሉ ሓደ እኳ ንየማን ኰነ ንጸጋም ዜብል የልቦን።

20. ገጽ እዚ ነገር እዚ ምእንቲ ኺልወጥ ጊልያኻ ዮኣብ እዚ ነገር እዚ ገበረጐይታይ ከኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዘበለ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልአኽ ኣምላኽ ጥበበኛ እዩ።

21. ሽዑ ንጉስ ንዮኣብእንሆ፡ ሕጂ እዚ ነገር እዚ ገበርኩ፡ ኪድ እሞ ነቲ መንእሰይንኣቤሴሎምምለሶበሎ

22. ዮኣብ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፡ ንንጉስ ከኣ መረቖ፡ ዮኣብ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ንጉስ ዘረባ ጊልያኡ ብምግባሩጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸበሎሚ ፈለጠበለ

23. ዮኣብ ከኣ ተንሲኡ ናብ ጌሹር ከደንኣቤሴሎም ድማ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ

24. ንጉስ ከኣናብ ቤቱ ይኺድገጸይ ግና ኣይርኤበለኣቤሴሎም ከኣ ናብ ቤቱ ኸደገጽ ንጉስ ከኣ ኣይረአየን

25. ኣብ ብዘሎ እስስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እተናእደ ሰብ ኣይነበረንካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን

26. እቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ፡ ቈረጾ። ኣብ ዐዓመት ከኣ እዩ ዚቘርጾ ዝነበረ፡ ምስ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ።

27. ንኣቤሴሎም ድማ ሰለስተ ወድን ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ፡ ንሳ ትርኢታ ውቅብቲ ሰበይቲ ነበረት።

28. ኣቤሴሎም ከኣ፡ ገጽ ንጉስ ከይረአየኣብ የሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ

29. ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ ኪሰዶ ደልዩ ንዮአብ ለአኸሉ። ንሱ ግና ናብኡ ኺመጽእ ኣይፈተወን። መሊሱ ድማ ካልኣይ ሳዕ ለአከሉ፡ ንሱ ግና ኪመጽእ ኣይፈተወን

30. ሽዑ ንገላዉኡርአዩዮኣብ ኣብ ጥቓ እታ ናተይ ግራት አላቶ፡ ኣባ ድማ ስገም አለዎ እሞ፡ ኬድኩም ሓዊ ምለሱሉበሎም። እቶም ገላዉ ኣቤሴሎም ከኣ ነታ ግራት ሓዊ መለሱላ።

31. ሽዑ ዮኣብ ተንሲኡ ንኣቤሴሎም ናብ ቤቱ መጾ እሞ፡ እዞም ገላዉኻ ንግራተይ ሓዊ ዝመለሱላ ስለምንታይ እዩ፡ በሎ

32. ኣቤሴሎም ድማ ንዮኣብ፡ ስለምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መጻእኩ፡ ንኣይሲ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሔሸኒ ነይሩ። ሕጂ ኸኣ ገጽ ንጉስ ክርኢ እደሊ አሎኹ፡ ኣበሳ ተረኺቡኒ እንተ ዀይኑ ድማ ይቕተለኒ፡ ክትብለለይ፡ እንሆ፡ ናብ ንጉስ ክሰደካ፡ ንዓ ናብዚ ኢለ ለአኽኩልካበሎ

33. ዮኣብ ከኣ ናብ ንጉስ አትዩ እዚ ነገሮንኣቤሴሎም ድማ ጸውዖ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣቤሴሎም ሰዐሞ