1. ርኣዩውሉድ ኣምላኽ ክንብሀልእቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበናከምእውን ኢናስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።

2. ኣቱም ፍቁራተይሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢናእንታይ ከም እንኸውን ከኣገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞንእኡ ኸም እንመስልንፈልጥ አሎና።

3. እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነንርእሱ የንጽህ አሎ።

4. ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብርምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብርሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡

5. ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን

6. እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውን

7. ደቀየሓደ እኳ ኣየስሕትኩምከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነእቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ

8. ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ

9. ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውንሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ።

10. ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነንውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ

11. ንሓድሕድና ክንፋቐር፡ እዚኣ እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ።

12. ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹንስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።

13. ኣሕዋተየዓለም እንተ ጸልኣትኩምኣይትገረሙ

14. ንሕናነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርናንፈልጥ አሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር

15. ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብርትፈልጡ ኢኹም።

16. ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ።

17. ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር

18. ኣቱም ደቀየብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር

19-20. ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈናኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ

21. ኣቱም ፍቁራተይልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና

22. ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።

23. ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐርትእዛዙ እዚ እዩ።

24. እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሀበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።