1. እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ወርሒ ነበረ።

2. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ጸዊዖምንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ፧ ከመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡናበሉ

3. ንሳቶም ድማ፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎጥራዩ ኣይትስደድዎመስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፡ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፡ ኢዱውን ካባኻትኩም ዘይምግላሳ ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኺፍለጠኩም እዩ፡ በሉ

4. ንሳቶም ከኣ፡ እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፡ በሉ። ንሳቶም ድማ በሉ፡ እቲ መዓት ንዅላትኩምን ንሹማምትኹምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፡ ከም ቊጽሪ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሓሙሽተ ሕበጥ ወርቅን ሓሙሽተ ኣንጭዋ ወርቅን እዩ።

5. እምበርኣርሲ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናጹኹምን ግበሩንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክብሪ ሀብዎ፡ ምናልባሽ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን ካብ ልዕሊ ምድርኹምን ክትቀልል እያ።

6. ከምቲ ግብጻውያንን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም ተትርሩ አሎኹም፧ ኣባታቶም ሓይሊ ምስ ገበረ ደይኰኑን ይኺዱ ዝሐደግዎም፡ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ

7. ሕጂ ኸኣ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኩምኣርዑት ዘይተሰቕለንዜጥብዋ ኽልተ ላም ውሰዱ እሞ፡ ነተን ኣሓ ኣብቲ ሰረገላ ቚረንወን፡ ነተን ኣባትየን ከኣ ካብ ድሕሪኤን ናብ ቤት ምለስወን

8. ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፡ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ኣብ ሳጹን ጌርኩም ኣብ ጎቦኡ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ስደድዎ

9. ርአዩ ድማ፡ ብመገዲ ሃገሩ ኣቢሉ ናብ ቤት-ሸመሽ እንተ ደየበ፡ ሽዑ እዚ ብርቱዕ ክፉእ ነገር እዚ ዘምጽኣልና፡ ንሱ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ንሱስ ብኸምኡ ደኣ መጺኡና እምበር፡ እዚ መዓት እዚ ኢዱ ኸም ዘየውረደትልና ኽንፈልጥ ኢና፡ በሉ።

10. እቶም ሰባት ከኣ ከምኡ ገበሩክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፡ ነተን ኣባትየን ድማ ኣብ ቤት ዐጸዉወን

11. ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳጹንን ምስቲ ኣናጹ ወርቅን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ኣንበርዎ

12. እተን ኣሓ ድማ፡ ንየማነ ጸጋም ከየግለሳ፡ እምባሕ እናበላ፡ ብጐደና ኣቕኒዔን መገዲ ቤት-ሸመሽ ትኽ ኢለን ከደ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክሳዕ ዶብ ቤት-ሸመሽ ደድሕሪአን ከዱ

13. እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ስርናይ ኣብቲ ለሰ ይዐጽዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ነቲ ታቦት ረአይዎ እሞ፡ ብምርኣዩ ተሓጐሱ

14. እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት እያሱ በዓል ቤት-ሸመሽ መጺኡ ኣብኣ ቘመ፡ ኣብኣ ድማ ዓብዪ እምኒ ነበረ። ዕጨይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊጾም ከኣ እተን ኣሓ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ

15. ሌዋውያን ከኣ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ምስኡ ዝነበረ፡ ኣቓሑ ወርቂ ዘለዎ ሳጹንን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉመስዋእቲ ሕሩድ ከኣ ሰውኡሉ

16. እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ረአይዎበታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዔቅሮን ተመልሱ

17. እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ሕበጥ ወርቂ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሓደ ንኣሽዶድ፡ ሓደ ንጋዛ፡ ሓደ ንኣስቀሎን፡ ሓደ ንጋት፡ ሓደ ንዔቅሮን

18. እተን ኣናጹ ወርቂ ድማ ከም ቊጽሪ ዅለን ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ኸተማታት ፍልስጥኤማውያን እየን፡ ካብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ኣቚሻት እታ ሃገር፡ ክሳዕ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር እተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፡ ንሱ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት እያሱ በዓል ቤት-ሸመሽ አሎ።

19. ካብ ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት ስለ ዝጠመቱ ቐዘፎም እሞ፡ ካብቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብ ቀተለእግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕዘፍቲ ስለ ዝቐዘፎ ድማ እቶም ህዝቢ ሐዘኑ

20. እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እዚ ቅዱስ ኣምላኽ፡ መን ኪቐውም ይኽእል፧ ካባናኸ ናብ መን ኪድይብ እዩ፧ በሉ

21. ነቶም ኣብ ቂርያት-የዓሪም ዚነብሩ ኸኣ፡ ንታቦት እግዚኣብሄር ፍልስጥኤማውያን መሊሶምዎወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎኢሉም ልኡኻት ሰደዱሎም