1. ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል መጸ። እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ወጸ፡ ኣብ ኤብን-ዔዘር ከኣ ሰፈረፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ

2. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ ገፍሔ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ተሳዕሩ፡ ኣብቲ እተሰለፉሉ መሮር ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ

3. እቲ ህዝቢ ናብ ሰፈሩ ምስ ተመልሰ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤልእግዚኣብሄር ስለምንታይ ኰን እዩ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ዝሰዐረና፡ እምበኣርሲ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ንሱ ኣብ ማእከልና ዀይኑ ካብ ኢድ ጸላእትና ምእንቲ ኼድሕነና፡ ካብ ሺሎ ናባና ነምጽኣዮበሉ

4. እቲ ህዝቢ ናብ ሺሎ ልኢኹ ኸኣ፡ ካብኣ ነቲ ታቦት ኪዳን፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኣምጽእዎክልቲኦም ደቂ ኤሊሆፍንን ፊንሃስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበሩ።

5. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ አተወ፡ ብዘለዉ እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እተንደቕድቕ ብዙሕ እልል በሉ።

6. ፍልስጥኤማያን ከኣ ነቲ ድምጺ እልልታ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ኣብ ሰፈር እብራውያን ዘሎ ድምጺ ብዙሕ እልልታስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ከም ዝአተወ ኸኣ ፈለጡ

7. ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽ ናብ ሰፈር መጺኡ እዩ፡ ኢሎም ብዙሕ ፈርሁበሉ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣይኰነን እሞ ወይለና

8. ንግብጻውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ በረኻ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ወይለና፡ ካብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ኬድሕነና እዩ፧

9. ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፡ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ባሮት እብራውያን ከይትዀኑስጽንዑሰብኡት ኩኑ፡ እወ ሰብኡት ኩኑ፡ ተዋግኡ

10. ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡእስራኤል ከኣ ተሳዕረነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ። እቲ ውግእ ኸኣ ኣዝዩ በርትዔ እሞ፡ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ

11. ታቦት ኣምላኽ ድማ ተማረኸክልቲኦም ደቂ ኤሊሆፎንን ፊንሃስን፡ ከም ሞቱ

12. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱውን ሓመድ ነስኒሱ ኻብቲ ውግእ ጐይዩ ናብ ሺሎ መጸ

13. ንሱ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ልቡ ተጨኒቑ ነበረ እሞ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ አትዩ ምስ ኣውረየ ኸኣ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይዋይ በለት።

14. ኤሊ ድማ ድምጺ እቲ ዋይዋይታ ምስ ሰምዔ፡ እዚ ድምጺ ታዕታዕሲ እንታይ ኰን እዩ፧ በለ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ቀልጢፉ ናብ ኤሊ መጺኡ ነገሮ

15. ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሾሞንተን ዓመት ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ኣዒንቱ ፈዚዘንኪርኢ ኣይከአለን

16. እቲ ሰብኣይ ንኤሊ፡ እቲ ኻብ ውግእ ዝመጸ ኣነ እየ፡ ኣነ ኻብቲ ውግእ ሀደምኩበሎ። ንሱ ኸኣ፡ ወደየ፡ ነገሩ እሞ ከመይ ኰነ፡ በለ

17. እቲ መውረዪ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙብዙሕ ሰብውን ተወድኤ፡ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ከኣ ሞይቶምታቦት ኣምላኽውን ተማሪኹኢሉ መለሰ

18. ኰነ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ምስ ዘከረሉ፡ ኤሊ ኣሪጉ ከቢዱ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጐቦ እቲ ደገ ንድሕሪት ኣቢሉ ኻብ መንበሩ ወደቐክሳዱ ተሰቢሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ፈሪዱ እዩ።

19. ሰበይቲ ፊንሃስ ወዱ ድማ፡ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ ከም እተማረኸሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ ከም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዔት፡ ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ተምበርኪኻ ወለደት

20. ክትመውት ከላ ኸኣ፡ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ዝበላ ኣንስቲ፡ ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂበላኣ። ንሳ ግና ገለ ኣይመለሰትን፡ ኣብ ልባውን ኣየእተወቶን

21. እዚ ማለታ፡ ታቦት ኣምላኽ ስለ እተማረኸብምኽንያት ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐኢላ ነቲ ሕጻን ኢካቦድ ሰመየቶ

22. ንሳ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐበለት