1. ንዳዊት ድማ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይዋግእዋኣዕውዲውን ይወርሩ አለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ

2. ሽዑ ዳዊት፡ ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖእግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊትኪድ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእካ ንቅዒላ ኣድሕናበሎ

3. ግናኸ ንዳዊት እቶም ሰቡ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ኸሎና እኳ፡ እንፈርህ ዘሎናስ፡ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኸድና ግዳ ኺገድድ ደይኰነን፧ በልዎ

4. ሽዑ ዳዊት መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቖእግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብ ቅዒላ ውረድኢሉ መለሰሉ

5. ዳዊት ከኣ ምስ ሰቡ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤከብቶም ድማ ዘመተብርቱዕ ስዕረት ከኣ ሰዐሮም። በዚውን ዳዊት ነቶም ኣብ ቅዒላ ዚነብሩ ኣድሐኖም

6. ኰነ ኸኣ፡ ኣብያታር ወዲ ኣሂሜላክ፡ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ምስ ሀደመኤፎድ ኣብ ኢዱ ሒዙ ወረደ

7. ንሳኦል ድማ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝአተወ ነገርዎሳኦል ከኣ፡ ናብታ ማዕጾን መሸጐርን ዘለዋ ኸተማ አትዩ ተዐጽዩ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ፡ በለ

8. ሳኦል ድማ ንዳዊትን ንሰቡን ኪኸቦም ንብዘሎ ህዝቢ ኺዋግኡ ናብ ቅዒላ ኺወርዱ አወጀሎም

9. ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታርኤፎድ ኣምጽእበሎ

10. ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልሳኦል ናብ ቅዒላ መጺኡ ብሰረይ ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ ኸም ዚደሊባርያኻ ብርግጽ ሰሚዑ አሎ።

11. ከምቲ ባርያኻ ዝሰምዖሳኦልዶ ኺወርድ እዩ፡ ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ኺህቡኒ እዮም፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ እዚ ንባርያኻ ኣፍልጦ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ ኪወርድ እዩ፡ በለ

12. ዳዊት ድማ፡ ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰበይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ኪህቡኒ እዮም፧ በለእግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኻ እዮም፡ በለ።

13. ሽዑ ዳዊትን እቶም ሹድሽተ ሚእቲ ዝዀኑ ሰቡን ተላዒሎም ካብ ቅዒላ ወጹ። ኪኸድዎ ናብ ዝኸአሉ ዘበለ ድማ ተመላለሱንሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሀደመ ምስ ነገርዎምውጻእ ሐደጎ

14. ዳዊት ከኣ ኣብ በረኻ ኣብ እምባታት ተቐመጠ፡ ኣብቲ ኣብ በረኻ ዚፍ ዘሎ ኸረንውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከኣ ኵሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሀቦን

15. ዳዊት ድማ ሳኦል ንነፍሱ ኺደልያ ኸም ዝወጸ ርእዩ፡ ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ዱር ነበረ።

16. ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተንሲኡ ናብ ዳዊት ናብቲ ዱር ከደኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዔ

17. ንሱ በሎኢድ ኣቦይ ሳኦል ኣይትረኽበካን እያ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ፡ ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ አሎ።

18. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉዳዊት ድማ ኣብቲ ዱር ተቐመጠዮናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ

19. ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም ከምዚ በሉዳዊት ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ እምባታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብደቡብ በረኻ ዘሎ ዅርባ ሓኪላ ተሐቢኡዶ ኣየሎን፧

20. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ምውራድሲ፡ ከምቲ ዅሉ ድላይ ነፍስኻ ውረድ፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ናትና እዩ።

21. ሳኦል ድማ በለ፡ ስለ ዝደንገጽኩምለይ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም።

22. ንሱ ኣዝዩ ጎራሕ ከም ዝዀነ፡ ነጊሮምኒ እዮም እሞ፡ በጃኹም ኬድኩም እግሩ ኣብ ኣየናይ ቦታ ኸም ዝረገጸት፡ ኣብኣ ኸኣ መን ከም ዝረኣዩ፡ መሊስኩም ኣርጊጽኩም ፍለጡን ርኣዩን

23. እቲ ንሱ ዚሕብኣሉ ዘበለ መሕቢኢታት ርኢኹም ከኣ ፍለጡ፡ እቲ ነገሩ ምስ ኣርገጽኩምዎ ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፡ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር እንተሎ፡ ኣብ ኵሎም ኣሽሓት ይሁዳ ኺደልዮ እየ።

24. ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱዳዊትን ሰቡን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ነቲ በረኻ ብወገን ደቡቡ ኣብ ዘሎ ጎልጎል ነበሩ።

25. ሳኦልን ሰቡን ድማ ኪደልይዎ ኸዱንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ናብቲ ኸውሒ ወሪዱ፡ ኣብ በረኻ ማዖን ተቐመጠሳኦል ድማ፡ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዓበ

26. ሳኦል ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑዳዊትን ሰቡን ድማ ነቲ ኸረን በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰቡን ንዳዊትን ሰቡን ኪሕዝዎም ከቢቦምዎ ነበሩ እሞ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ህደመ

27. ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዋ አለዉ እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓበሎ

28. ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ ምስዓብ ተመልሰንፍልስጥኤማውያን ኪቃባበሎም ከደ፡ ስለዚ ኸኣ ነታ ቦታ ሴላዕ-ማሕልቆት ኢሎም ሰመይዋ