1. ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየትልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ አሎ።

2. ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡

3. እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ

4. ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ

5. እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን። እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡ እታ ወላድ ግና ደኸመት

6. እግዚኣብሄር ይቐትልየሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድየውጽእ ድማ።

7. እግዚኣብሄር የድኪየሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል።

8. ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉምስ መኳንንቲ የቐምጦምዝፋን ክብሪውን የውርሶም

9. ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም።

10. እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ።

11. ኤልቃና ድማ ናብ ቤቱ ንራማ ኸደ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ዀይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ

12. ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን

13. እቶም ካህናት ኣብቲ ህዝቢ እዚ ልማድ እዚ ነበሮም፡ ዝዀነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ ምስ ዚስውእ፡ ገና እቲ ስጋ ኺበስል ከሎ፡ ጊልያ እቲ ኻህን ሰለስተ ዘጻብዑ ሻኳ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡

14. ናብ ቊራዕ ወይ ናብ መቚሎ ወይ ናብ ድስቲ ወይ ናብ ጻሕሊ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዐሎ ዘበለ፡ እቲ ኻህን ንርእሱ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሺሎ ዚመጹ ዅሎም እስራኤላውያን ከምኡ ይገብርዎም ነበሩ።

15. ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ ኸለዉውን፡ ጊልያ እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መጺኡ፡ እቲ ኻህን ብርንዶ ደኣ እምበር፡ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፡ ዚጥበስ ስጋ ሀበኒይብሎ ነበረ።

16. ሽዑ እቲ ሰብኣይቅድም እቲ ስብሒ ፍጹም ይሕረር፡ ደሓር ነፍስኻ ዝደለየቶ ውሰድ፡ እንተ በሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋል ሕጂ ደኣ ሀበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኽወስድ እየ፡ ይብሎ ነበረ።

17. እቶም ሰባት በዚ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቅዎ ነበሩ እሞ፡ ሓጢኣት እቶም መንእሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓብዪ ነበረ።

18. ግናኸ ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኤፎድ ተዐጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።

19. ኣዲኡ ድማ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ገበረትሉ፡ እቲ ናይ ዐዓመት መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውእ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ ከላ፡ በብዓመት ተምጽኣሉ ነበረት።

20. ኤሊ ድማ ንኤልቃናን ንሰበይቱን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር እተወፈየ ውፉይ፡ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሀብካኢሉ መረቖም። ናብ ቦታኦም ከኣ ኸዱ

21. እግዚኣብሄር ድማ ንሃና በጽሓጠነሰት ድማ፡ ሰለስተ ወድን ክልተ ጓልን ከኣ ወለደትሳሙኤል፡ እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዐበየ

22. ኤሊ ኸኣ ኣዝዩ ኣረገ፡ እቲ እቶም ደቁ ኣብ ብዘለዉ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን ነተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዚድቅስወንን ሰምዔ

23. ንኣታቶም ከኣ፡ እዚ ኻብ ብዘሎ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘሎኹ ኽፉእ ግብርኹምሲ ስለምንታይ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ነገር ትገብርዎ ዘሎኹም፧

24. ኣይፋልኩም ደቀየንህዝቢ እግዚኣብሄር ገሃሲ ትገብርዎ አሎኹም እሞ፡ እዚ ኣነ ዝሰምዖ ዘሎኹ ወረስ ጽቡቕ ኣይኰነን

25. ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስኣምላኽ ይፈርዶሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደሎ ግና መን የማልዶ፧ በሎም። እግዚኣብሄር ኪቐትሎም ስለ ዝደለየ ግና፡ ዘረባ ኣቦኦም ኣይሰምዑን

26. ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ።

27. ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ በሎእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ፈርኦን ከለዉ፡ ንቤት ኣቦኻ ብርግጽዶ ኣይተገለጽኩላን እየ፧

28. ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ ዕጣን ኪዐጥን፡ ኣብ ቅድመይውን ኤፎድ ኪጸውር ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤልዶ ንኣይ ሐርየዮ ኣይኰንኩን፧ ኵሉ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊኸ ንቤት ኣቦኻዶ ሂበዮ ኣይኰንኩን፧

29. ነቲ ኣብ ማሕደረይ ኪቕረብ ዝአዘዝኩ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ደኣ ስለምንታይ ኢኹም እትረግጽዎ ዘሎኹም፧ ካብ ኵሉ እቲ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ምእንቲ ኽትሰብሑስ፡ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ

30. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ ብርግጽ ኢለዮም ነበርኩ፡ ሕጂ ግና፡ ኣነስ ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም እሞ፡ እዝስ ካባይ ይርሐቕይብል እግዚኣብሄር።

31. እንሆ፡ ኣብ ቤትካ ኣረጊት ምእንቲ ኸይርከብ፡ ቅልጽምካን ቅልጽም ቤት ኣቦኻን ዝሰብረለን መዓልታት ኪመጻ እየን።

32. በቲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕስ፡ ኣብ ማሕደረይ ሽጋር ክትርኢ ኢኻ፡ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ኣረጊት ኣይርከብን።

33. እቲ ኣነ ኻብ መሰውእየይ ዘይቈርጾ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምሕቃቕ ነፍስኻውን ንምምህማን ኪኸውን እዩ። ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለ ኸኣ ብጕብዝናኡ ኺመውት እዩ።

34. እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ዚመጽእክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኺሞቱ እዮም፡ እዚ ምልክት ኪዀነካ እዩ።

35. ኣነ ኸኣ ከም ልበይን ከም ነፍሰይን ዚገብር እሙን ካህን ከተንስእ እየ፡ ንእኡ ድልድልቲ ቤት ክሰርሓሉ እየ፡ ንሱውን ንሓዋሩ ኣብ ቅድሚ መሲሄይ ኪመላለስ እዩ።

36. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቤትካ ዝተረፈ፡ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ሓንቲ እዛም እንጌራን ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግድ እዩ። ቊራስ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት ኰታ ግበረኒ፡ ድማ ኺብሎ እዩ።