1. ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረትዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ

2. ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲአ ወሰዶ፡ ናብ ቤት ኣቦኡውን ኪምለስ ኣይፈቐደሉን።

3. ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎኪዳን ተአታተዉ።

4. ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ አውጺኡ ንዳዊት ሀቦክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሀቦ።

5. ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዅሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዅሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላዉ ሳኦልን ተፈትወ

6. ኰነ ድማ ምስ አተዉዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ

7. እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ

8. ሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዔ፡ እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ እሞ በለንዳዊት እልፊ ሀባኦ፡ ንኣይ ድማ ሽሕ ሀባኒ፡ ደጊም መንግስቲ ጥራይ እያ ተሪፋቶ ዘላ።

9. ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ።

10. ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ኣብ ማእከል ቤት ከኣ ተነበየዳዊት ድማ ከም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ኣብ ኢድ ሳኦል ከኣ ኵናት ነበረ።

11. ሳኦል ድማ፡ ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣላጊበ ክቐትሎ እየ፡ ኢሉ ዅናት ወርወረ። ዳዊት ከኣ ክልተ ሳዕ ካብ ቅድሚኡ ኣግለሰ

12. እግዚኣብሄር ካብ ሳኦል ኣግለሲሱ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዳዊት ፈርሆ

13. ስለዚ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸኣ ይወጽእን ይአቱን ነበረ።

14. ዳዊት ድማ ኣብ ኵሉ መገዱ ኣስተውዓሊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ።

15. ሳኦል ድማ ኣዝዩ ኣስተውዓሊ ኸም ዝዀነ ምስ ረአየ፡ ንእኡ ፈርሆ

16. ብዘለዉ እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ቅድሚኦም ይወጽእን ይአቱን ነበረ እሞ፡ ንዳዊት ፈተውዎ

17. ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ እንሆ፡ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኰነካ ሂበካ አሎኹ፡ ሓንትስ ጽኑዕ ወዲ ኹነለይ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ከኣ ተዋጋእበሎሳኦል ከኣ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ትኹን እምበር፡ ኢደይሲ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በለ

18. ዳዊት ድማ ንሳኦልሓሙ ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ህይወተይከ እንታይ እያ፧ ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ፧ በሎ

19. ኰነ ኸኣ፡ ሜራብ ጓል ሳኦል፡ በታ ንዳዊት እትምርዐወላ ጊዜ፡ ንሳ ንዓድርኤል፡ እቲ መሖላታዊሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋህበት

20. ሚካል ጓል ሳኦልንዳዊት ፈተወቶ፡ እዚ ንሳኦል ነገርዎ፡ እቲ ነገር ከኣ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበሎ

21. ሳኦል ድማ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ፡ ንእኣ ኽህቦ እየ፡ በለ። ስለዚ ሳኦል ንዳዊትሎሚውን ካልኣይ ሳዕ ሓሞይ ክትከውን ኢኻ፡ በሎ

22. ሳኦል ከኣ ነቶም ገላዉኡንዳዊት፡ እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ አሎ፡ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ፈትዮምኻ አለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ሓሙ ንጉስ ኩን፡ ኢልኩም ብሕቡእ ተዛረብዎኢሉ ኣዘዞም

23. እቶም ገላዉ ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ እዝኒ ዳዊት ተዛረቡ። ዳዊት ከኣ፡ ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብአይ ክነሰይ፡ ሓሙ ንጉስ ምዃንሲ ንእሽቶ ነገርዶ ይመስለኩም አሎ፡ በለ

24. እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ከምዚ ዝበለ ዘረባ ተዛሪቡኢሎም ነገርዎ

25. ሳኦል ድማ በለንዳዊት ከምዚ በልዎ፡ ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ፡ በጀካ ሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያንዚደልዮ ብልዒት የብሉን። ሳኦል ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬውድቖ ሐሲቡ ነበረ።

26. እቶም ገላዉኡ ኸኣ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፡ ሽዑ ሓሙ ንጉስ ኪኸውን ነገሩ ንዳዊት ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ። ገና እተን መዓልትታት ከይአኸላ ድማ፡

27. ዳዊት ተንሲኡ፡ ንሱ ምስ ሰቡ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለዳዊት ከኣ ሓሙ ንጉስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዕልቦኦም ኣምጽኤ፡ ብምሉእ ቊጽሮም ድማ ንንጉስ ኣወፈየ። ሳኦል ከኣ ጓሉ ሚካል ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ።

28. ሳኦል ድማ እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ ረአየን ፈለጠንሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ፈተወቶ

29. ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣዝዩ ፈርሆ፡ ሳኦል ምሉእ ዕድሜኡ ጸላኢ ዳዊት ኰነ።

30. ሽዑ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ወጹ። ኰነ ድማ፡ ብዝወጹላ መጠን፡ ካብ ኵሎም ገላዉ ሳኦል ዳዊት ኣስተውዓሊ ነበረ፡ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ