1. ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ናብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሰሰሉ እሞ ሰዐሞ በሎውንእግዚኣብሄር ዝቐብኣካስ ኣብ ርስቱ ሹም ክትከውንዶ ኣይኰነን፧

2. ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፡ ኣብ ዶብ ብንያም ኣብ ጸልጻሕ ክልተ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እተን ኣእዱግ ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካስ ተረኺበን። እንሆ ድማ፡ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሐዲጉ፡ ናይዚ ወደይሲ እንታይ ክገብር እየ፧ እናበለ፡ ብኣኻትኩም ይጭነቕ አሎ፡ ኪብሉኻ እዮም።

3. ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ድዋ ታቦር ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ኣብኡ ናብ ኣምላኽ ናብ ቤት-ኤል ዚድይቡ ሰለስተ ሰብ፡ እቲ ሓደ ሰለስተ ወጠጦ ጾይሩ፡ ሓደ ድማ ሰለስተ እንጌራ ጾይሩ፡ ሓደ ኸኣ ሐርቢ ወይኒ ጾይሩ ኺረኽቡኻ እዮም።

4. ከመይ ኢልካ አሎኻ፡ ድማ ይብሉኻ፡ ክልተ እንጌራ ኸኣ ኪሁቡኻ እዮም እሞ፡ ካብ ኢዶም ክትቅበሎ ኢኻ።

5. ድሕርዚ ናብቲ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዅርባ ኣምላኽ ክትመጽእ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ ኸተማ ኽትአቱ ኸሎኻ፡ ኣብኣ እኩባት ነብያት ቀቅድሚኦም ድማ በገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ገይሮም፡ ካብቲ በሪኽ ኪወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።

6. መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሌኻ ኺወርድ እዩ፡ ምሳታቶም ከኣ ክትንበ ኢኻ፡ ካልእ ሰብ ክትከውን ድማ ክትልወጥ ኢኻ።

7. ይኸውን ከኣ፡ እዚ ምልክታት እዚ ምስ መጸካኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ እቲ ዚምሽኣካ ግበር

8. ቅድመይ ናብ ጊልጋል ክትወርድ ኢኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ዚሐርር መስዋእቲ ኸዕርግመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መጺኤ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካሾብዓተ መዓልቲ ኽትጸንሕ ኢኻ።

9. ኰነ ድማ፡ ካብ ሳሙኤል ኪኸይድ ዝባኑ ምስ መለሰ፡ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እዚ ምልክታት እዚ ዅሉ መጸ

10. ናብታ ዅርባ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ እኩባት ነብያት ተቐባበልዎመንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ተነበየ

11. ኰነ ድማ፡ እቶም ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ዅሎም፡ እንሆ፡ ምስ ነብያት ኰይኑ ኺንበ ምስ ረአይዎ፡ እቲ ህዝቢ ንሓድሕዱ፡ እዚ ኣብ ወዲ ቂስ ኰይኑ ዘሎ እንታይ እዩ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ በለ

12. ኣብቲ ስፍራ እቲ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ኣቦኦምስ መን እዩ ኢሉመለሰ። ስለዚ እዩ እቲ ምስላ ዝዀነ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧

13. ምንባይ ምስ ወድኤ ድማ፡ ናብቲ በሪኽ መጸ

14. ሓወቦ ሳኦል ከኣ ንእኡን ነቲ ግዙኡንናበይ ኬድኩም ኔርኩም ኢኹም፧ በሎም። ንሱ ድማ፡ ኣእዱግ ክንደሊ፡ ከም ዘየለዋ ምስ ርኤና ግና፡ ናብ ሳሙኤል መጻእናበለ

15. ሓወቦ ሳኦል ድማ፡ እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በጃኻ ንገረኒበለ

16. ሳኦል ከኣ ንሓወቦኡኣእዱግ ከም እተረኽባ ኣርጊጹ ነገረናበሎ። እቲ ሳሙኤል ብናይ መንግስቲ ነገር ዝበሎ ግና ኣይነገሮን

17. ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ጸውዖ

18. ንደቂ እስራኤል ከኣ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዜጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሐንኩኹምይብል አሎ።

19. ሎሚ ግና ንስኻትኩም ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጸበባን ዜድሕነኩም ኣምላኽ ንዐቕኩምዎ፡ ንእኡ ኸኣ፡ ኣይፋልካ፡ ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና፡ በልኩምዎ። እምበኣርሲ ሕጂ በብነገድኩም በብሽሕኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ፡ በሎም።

20. ሳሙኤል ከኣ ንዅሎም ንገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ነገድ ብንያም በጽሔ

21. ንነገድ ብንያም ከኣ በብዓሌቱ ኣቕረቦ፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ዓሌት ማትሪ በጽሔ፡ ኣብ ሳኦል ወዲ ቂስውን በጽሔ። እንተ ደለይዎ ግና፡ ኣይተረኸበን

22. መሊሶም ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ ናብዚዶ መጺኡ አሎ፧ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ሐተትዎእግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መንጎ ኣቓሑ ተሐቢኡ አሎ፡ ኢሉ መለሰ

23. ጐይዮም ከኣ ካብኡ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ መንኵቡ ንላዕሊ ነውሖ።

24. ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዜልቦ ርኢኹምዶበሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ እናበሉ እልል በሉ።

25. ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ሕጋጋት መንግስቲ ነገሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮሳሙኤል ድማ ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ

26. ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ኸደኣምላኽ ልቦም ዘንቅሔ ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኸዱ

27. እቶም ደቂ ብልያል ግና፡ እዚ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኼድሕነና እዩ፡ ኢሎም ነዐቕዎ እሞ፡ ገጽ በረኸት ኣይሀብዎን። ንሱ ግና ከም ዘይሰምዔ ዀነ።