1. ሰሎሞን ከኣ ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳትሹማምቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቅሲ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ጽዮንኬደይብዎ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ናብ የሩሳሌም ኣከቦም

2. ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ወርሒ ኤታኒም፡ ንሳ ኸኣ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተአከቡ

3. ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዐልዎ

4. ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣደየብዎ።

5. ንጉስ ሰሎሞንን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤልን ምስኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሔን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቊጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ

6. እቶም ካህናት ድማ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ

7. እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ታቦትን ነቲ መሰላታቱን እቶም ኪሩቤል ከደንዎ

8. ጫፍ እቲ መሰላትት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኣብ መቕደስ ኴንካ ኽሳዕ ዚርኤ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ አሎ።

9. ኣብቲ ታቦት ብጀካ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት እምኒ ገለ ኻልእ ኣይነበረ፡ እዚ ኸኣ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጽ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝአተወሉ ጊዜ ዀነ

10. ኰነ ድማ፡ እቶም ክህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ

11. ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከአሉን

12. ሽዑ ሰሎሞንእግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ኸም ዚነብርኢሉ አሎ።

13. ንስኻ እተቐመጦ ቤትንዘለአለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግጽ ሰሪሔልካ አሎኹ፡ በለ።

14. እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ።

15-16. በለ ድማ፡ ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤት እትስርሓላ ኸተማ ኣይሐሬኹን። ግናኸ ንዳዊት ደኣ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን ሓሬኽዎ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት እተዛረቦ ብኢዱ ኸኣ ዝፈጸሞ እግዚብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ

17. ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሓሉ ብልቡ ሐሲቡ ነበረ።

18. እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ፡ እዚ ብልብኻ ስለ ዝሐሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ

19. ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዚወጽእ ወድኻ ደኣ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይትሰርሖን ኢኻ።

20. እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲኤ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣማልኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሔ አሎኹ።

21. ኣብኡ ድማ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ንዘለዎ ታቦት ስፍራ ኣዳሎኹ

22. ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ

23. በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪውን ኣብ ታሕቲ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን

24. እቲ ንባርያኻነቦይ ዳዊትእተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ፡ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ

25. ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልንባርያኻነቦይ ዳዊትከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካደቅኻ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደኣ ሐልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ

26. ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ፡ እቲ ንባርያኻነቦይ ዳዊትእተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን።

27. ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንስእ፡

28. ግናኸዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህልላኡን ምለስ።

29. ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልካያ ቦታ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎትውን ስማዕ።

30. ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚምህለልዎ ጸሎት ከኣ ስምዓዮ፡ እወ፡ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ፡ ኣብ ሰማይ ስምዓዮሰሚዕካውን ይቕረ በል።

31. ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎማሕላ ምሐል ድማ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኺምሕል እንተ መጸ

32. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊመገዱ ናብ ርእሱ ኽትመልሶኰንኖ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም

33. ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ምስ ተሳዕሩ ድማ፡ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤት እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ጸለዩን እንተ ተማህለሉን

34. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም

35. ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ ምስ ተዐጽወ፡ ዝናም ከኣ እንተ ዘይዘነመኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ጸለዩ፡ ንስምካውን እንተ ኣኽበሩ፡ ስለ ዘዋረድካዮም፡ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመልሱ

36. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እትርእዮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሀብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሀባ

37. ኣብ ሃገር ጥሜት እንተ ዀነ፡ ፌራ እተ ዀነ፡ ዋግ ወይ ሃጒ፡ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ዀነ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከታማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝዀነ ሕማም እንተ መጸ፡

38. ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤልን ነፍሲ ወከፍ ቊስሊ ልቢ እተፈለጦ፡ ዚጽልዩ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ

39-40. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ፡ ንልቢ ዂሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብረለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻስንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ

41. ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ፡ ንሱ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ

42. ብዛዕባ እዚ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ መጺኡ ኣብዛ ቤት እዚኣ እንተ ጸለየ

43. ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤት ከኣ ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡስ፡ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ

44. ህዝብኻ በታ ዝለአኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ኪዋግኡ ምስ ዚወጹናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን፡ ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሄር እንተ ጸለዩ፡

45. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም

46. እንተ በደሉኻ፡ - ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡ - ኰሪኻ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሀብካዮም እሞ፡ ናብ ርሑቕ ኰነ ወይ ናብ ቅሩብ ናብ ሃገር ጸላኢ ምርኮ እንተ ማረኽዎም

47. ኣብታ ተማሪኾምላ ዘለዉ ሃገር ኰይኖም ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማሕለሉ

48. ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ጸላእቶም ከለዉ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ገጾም ከኣ ናብዛ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ

49. ሽዑ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብራ ቦታ ዄንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም

50. ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ዝአበሱኻ ዂሉ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ምእንቲ ንሳቶም ምሕረት ኪገብሩሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ሀቦም።

51. ንሳቶምሲ ኻብ ግብጺካብቲ እቶም ሓጺን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ፡

52-53. እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከሎኻ ብባርያኻ ሙሴ እተዛረብካዮ፡ ካብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ፡ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዕዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኣዒንትኻ ናብ ምህልላ ባርያኻን ናብ ምህልላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ

54. ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ

55. ደው ኢሉ ኸኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዚ ኢሉ መረቖ

56. እቲ ንህዝቡ እስራኤል ከምቲ እተዛረቦ ዂሉ ገይሩ ዕረፍቲ ዝሀቦም እግዚኣብሄር ይባረኽካብቲ ብሙሴ ባርያኡ እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ኲሉ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን

57. እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፡ ምሳና ይኹን፡ ኣይሐደገናን ኣይገደፈናን።

58. እቲ ነቦታትና ዝአዘዞም ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክንሕሉ፡ ብዂሉ መገድታቱ ኽንከይድ፡ ንልብና ናብኡ የብሎ

59-60. እቲ ፍርዲ ንባርያኡን እቲ ንህዝቡ እስራኤል ነንዕለቱ ዜድሊ ፍርድን ምእንቲ ኼውጽእ፡ ኲሎም ህዝብታት ምድርስ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ካልእ ከም ዜልቦ ኸኣ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለልክዎ ቓላተይን ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን።

61. ከምዚ ናይ ሎሚ ብሕጋጋቱ ኽትከዱትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉልብኹም ፈጺሙ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን።

62. እቲ ንጉስ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።

63. እቲ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰውኦ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይሚእትን ዕስራን ሽሕ ከኣ በጊዕ ሰውኤ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ንጉስን ኲሎም እስራኤልን ኰይኖም ከምዚ ገይሮም ቀደስዋ

64. እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ምእካል ስለ ዝሰኣኖ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ማእከላይ ኣጸድ ቀደሶ እሞ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ንመስዋእቲ ብልዕን ንስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ይስውኦ ነበረ።

65. በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እትኣቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ዓብዪ ማሕበር ኰይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ መዓልትን፡ ማለት ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲበዓል ኣብዐሉ

66. በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፡ ንሳቶም ከኣ ንንጉስ መረቕዎ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኲሉ ጽቡቕ ነገር ባህ ኢልዎም፡ ብሕጉስ ልቢ ነናብ ድንኳኖም ከዱ