1. ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ፡ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኺነግስ ከም እተቐብኤ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ሒራም ከኣ ኲሉ ጊዜ ፈታው ዳዊት ስለ ዝነበረ፡ ገላዉኡ ሰደደሉ

2. ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም በሎ

3. ኣቦይ ዳዊት ብሰሪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእእግዚኣብሄር ንኣታቶም መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚገብሮም፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ኪሰርሕ ከም ዘይተኻእሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ

4. ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዂሉ ዙርያ ኣዕሪፋኒ እዩ፡ ገለ ተጻራሪ የልቦን፡ ገለ ናይ ድንገት ነገር ድማ የልቦን።

5. እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት፡ እቲ ኣብ ክንዳኻ ኣብ ዝፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩኢሉ እተዛረቦ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሃሉ እሐስብ አሎኹ።

6. ሕጂ ኸኣ ካባናስ ከም ሲዶናውያን ገይሩ ምቚራጽ ኦም ዚፈልጥ ከም ዜልብ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ቄድሮስ ኪቘርጹለይ ኣዝዝ። ገላዎይውን ምስቶም ገላውኻ ይኹኑ፡ ውዕለት ገላዉኻ ድማ ከምቲ እትብለኒ ዂሉ ገይረ ኽህበካ እየ።

7. ኰነ ኸኣ፡ ሒራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዔኣዝዩ ተሐጒሱንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዚ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ጥበበኛ ወዲ ዝህቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ብሩኽ ይኹን፡ በለ

8. ሒራም ድማ ናብ ሰሎሞን ልኢኹ፡ እቲ ዘለአኽካለይ ሰሚዔዮ አሎኹ፡ ብዛዕባ ኣእዋም ቄድሮስን ብዛዕባ ኣእዋም ጽሕድን ኣነ ዂሉ ድላይካ ኽገብር እየ

9. ገላዎይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኼውርድዎ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ጠሚረ ብባሕሪ ገይረ ናብታ እትልእከለይ ቦታ ኣብዚሔ ኣብኡ ኽፈትሖ እየ፡ ንስኻውን ትወስዶ። ንስካ ድማ ንቤተይ ምግቢ ብምሃብካ ድላየይ ትገብረለይ፡ በሎ።

10. ሒራም ከኣ ንሰሎሞን ኣእዋም ቄድሮስን ኣእዋም ጽሕድን ዝደለዮ ዘበለ ሀቦ

11. ሰሎሞን ከኣ ንሒራም ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዕስራ ቆሮስ ጽሩይ ዘይትን ንምግቢ ቤቱ ዚኸውን ሀቦ። ሰሎሞን ንሒራም ዓመት ንዓመት ከምኡ ይህቦ ነበረ።

12. እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞንከምቲ ዘተስፈዎጥበብ ሀቦ። ኣብ መንጎ ሒራምን ሰሎሞንን ከኣ ሰላም ነበረክልቲኣቶም ድማ ኪዳን ተአታትዉ

13. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ካብ ብዘሎ እስራኤልስ ሐርዩ ዓየይቲ ኣከበ፡ እቶም ዓየይቲ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኰነ።

14. እናባራረየ ድማ በብወርሒ ዕሰርተ ሽሕ ናብ ሊባኖስ ይሰዶም ነበረ። ሓደ ወርሂ ኣብ ሊባኖስ፡ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ነበሩ፡ ኣዶኒራም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓየይቲ ነበረ

15-16. ድማ ብዘይ እቶም ነቲ ኣብ ዕዮ ዚዐዪ ህዝቢ ኺእዝዙ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ እተሸሙ ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓልቑ ሹማምቲ ሰሎሞን ንሰሎሞን ጾር ዚጾሩ ሰብዓ ሽሕኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ ኸኣ ሰማንያ ሽሕ ነበርዎ።

17. ንጉስ ድማ እታ ቤት ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትሲገዘፍቲ ኣእማንን ክቡራት ኣእማንን ኪዂዕቱ ኣዘዘ

18. እቶም ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ሒራምን እቶም ጊብላውያንን ኰይኖም ከኣ ንመስርሒ እታ ቤት ኣዕጻውን ኣእማንን ቈረጹን ኣዳለዉን